Episodios

  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024)
    Aug 29 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 29 ንአሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ዘካፈለና ካል ኣይን መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ። ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ብወገና ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ ላ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐብ እዩ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ኣብ ኣውስትራሊያ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ: ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡
    Más Menos
    54 m
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024)
    Aug 29 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡
    Más Menos
    16 m
  • #SBS Examines፡ ክብሪ መነባብሮ ንማሕበራዊ ስምረትና የላሕልሖ ኣሎ ድዩ፧
    Aug 28 2024
    መጽናዕታት ከምዘመልክትዎ እቲ ንኣውስትራልያውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ቁጠባ'ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ነቓዓት ይፈጥር ኣሎ።
    Más Menos
    8 m
  • ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ:ኢትዮጵያ ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ።
    Aug 28 2024
    ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣካታዒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ስዒቡ፡ ሶማልያ ቅድሚ እቲ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝዛሙ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ ነይራ'ያ። ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተበርክት ሕቶ ምቕራባ ዝፍለጥ እዩ።
    Más Menos
    4 m
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2024)
    Aug 28 2024
    ን ሎሚ 28 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራሊያ ብብርቱዕን ጎዳእን ንፋስ ይዉቃዕ ኣሎ። ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዞባ ኩርስክ ንሰለስተ ሰሙን ዝገበረቶ ስርሒት ፡ 100 ሰፈራታት ከም ዝማረኸት ገሊጹ ። ዋና-ፈጻሚ ኮሚሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
    Más Menos
    5 m
  • ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ:
    Aug 27 2024
    ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣሰራርሓ ዝምልከቱ መምርሒታት ካብ ትካል ናብ ትካል ይፈላለይ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዝተለምዱ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ብሓፈሽኡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ዝኽተልዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ስራሕ ቦታ ብዙሕ ዘይዝውተር ሕጊታት ናብ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ልምዲ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ ፡ ነዚ ዘይተጻሕፈ ሕግታት ኽንምርምር ኢና ።
    Más Menos
    12 m
  • ኤርትራዊያን ካብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ማልታ ክጥረዙ፡ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2024)
    Aug 27 2024
    ንሎሚ 27 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር እስራኤል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክጥረዙ ሓቲቱ፣ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ማልታ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመት ካብ ማልታ ክጥረዙ ምዃኖም ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ኣብ ሰማያዊ መስመር ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ። ኣብ ሰሜን ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምህማም መሬት 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
    Más Menos
    9 m
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024)
    Aug 26 2024
    ን ሎሚ 26 ነሓሰ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።
    Más Menos
    50 m