• SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

  • By: SBS
  • Podcast
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ  By  cover art

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

By: SBS
  • Summary

  • Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
    Copyright 2024, Special Broadcasting Services
    Show more Show less
Episodes
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ግንቦት 2024)
    May 7 2024
    ንሎሚ 7 ግንቦት 2024 ዝሓዝናዮም ዜናታት: ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ምስ ሓማስ ዝግበር ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምንጻጉ ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ጋዛ ተቐማጦ ራፋ ምላሽ ሂቦም ። ማሕበረሰብ እስላም ምዕራብ ኣውስትራሊያ ምኽፋእ ስም ንምውጋድ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝን ንክንክን ዝኸውን ገንዘብ ንምምዳብን ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም ። ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ ሰራዊት ህወሓት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኮይኖም ይወግኡኒ ኣለዉ ንዝበሎ ክሲ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነጺግዎ።
    Show more Show less
    5 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2024)
    May 6 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 06 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንኹሎ በዓል ትንሳኤ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩም። ምስ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ካል ኣይ ክፋሉ ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መህትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብዘይካዚ ማሰን መልቀስን ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤምባሲታት 18 ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተኣስሩ ጋዜጣታት ክፍቴሑ ጸዊዖም። ብተዛማዲ ሓበሬታ ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተሓተ መስርዕ ተሰሪዓ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትውን ኣብ ሰዓቱ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ንዕድመኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ሰንበት 5 ግንቦት ኣብዒሎም። ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣልጀዚራ ከም ቤት ጽሕፈቱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝርከብ ክፍሊ ወሪሩ ዓጽይዎ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
    Show more Show less
    51 mins
  • ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2024)
    May 6 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ሰንበት 5 ግንቦት ኣብዒሎም። ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣልጀዚራ ከም ቤት ጽሕፈቱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝርከብ ክፍሊ ወሪሩ ዓጽይዎ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
    Show more Show less
    15 mins

What listeners say about SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Average customer ratings

Reviews - Please select the tabs below to change the source of reviews.