• "ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ኣለምዋጭ 'ዋላ ናብ ዓድና ምለሱና' ይብሉ ኣለዉ።" ሃብተኣብ እዮብ
    Jul 19 2024
    ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጸገማትን የሕልፉ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብዚ ቅሩብ እዋን መንነቶም ብዘይተፈልጠ ብዙሕ ቅትለት ይፍጸም ኣሎ። ብዛዕባ'ዞም ረዳኢ ስኢኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኩነታቶም ዝከታተል ዘሎ ሃብተኣብ የማነ ካብ "ሕያዋይ ሳምራዊ" ብፍላይ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጸመ ቅትለት ገሊጹልና ኣሎ።
    Show more Show less
    15 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሓምለ 2024)
    Jul 18 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ባንግኮክ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ሽዱሽተ ሰባት ብምኽንያት ሓደ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ብሳይነይድ ከም ዝመረዘ ተገሊጹ ። ሰበስልጣን ፈረንሳ ንሓደ ናይ ኦሎምፒክ ፋና ዒላማ ክገብር ደልዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሕሉፍ የማናይ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ። ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ፡ እቶም ኣስታት 75% ከም ዝወደቑ ተሓቢሩ። ቢንያም ግርማይ ትማሊ 17 ሓምለ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ዙር ፈረንሳ ንዓለም ዘገረመ ጽንዓት ዝመለለይኡ ዓወት ኣመዝጊቡ።
    Show more Show less
    15 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሓምለ 2024)
    Jul 18 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 18 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ምትእስሳራት ጽላት ዕደና ምስ ካልኦት ጽላታት ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን፣ ነዚ ኣብ ምዕዋቱ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ካልኦት ኣብ ኢንዱስትሪ ዝዋስኡ ዘለዎም ተራን፣ ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ዶክተር ፍጹም ናብ ብዙሓት ሃገራት ብምጋሽ ንዕደና ዝምልከቱ ፖሊሲታት ኣብ ምሕንጻጽ ሓጊዙ፣ መደባት ዕዮ ኣጣይሱን ኣገልግሎት ምኽሪ ሂቡን’ዩ። ኣብ’ዚ 2ይ ክፋል ዕላልና ካብ’ዚኦም ስራሓቱን መጽናዕትታቱን፣ ዝቐሰሞም ተሞክሮታትን ዝመሰጥዎ ፍሉያት ነገራትን ክዝርዝረልና’ዩ። ኩነታት ዕደናን ማዕድናትን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብሓፈሽኡ ምስ ኢብራሂም ዓሊ ዝገበሮ መቐጸልታ ዕላል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭትን ተፈጥሯዊ ሓደጋታትን ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ይምለስ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኮለጅ ቍጠባን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ ንመበል 17 ግዜኡ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ኣርእስታት ጸብጻብ ሉኡኽና እዩ፣ ምትካኽ ሃፋ (ቨይፒንግ) ኣብ መንእሰያት ግኑን'ዩ፣ መጉዳእቱ እንታይ'ዩ፧ ከተቋርጾ ይከኣል ድዩ፧ ኣርእስቲ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ባንግኮክ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ሽዱሽተ ሰባት ብምኽንያት ሓደ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ብሳይነይድ ከም ዝመረዘ ተገሊጹ ። ሰበስልጣን ፈረንሳ ንሓደ ናይ ኦሎምፒክ ፋና ዒላማ ክገብር ደልዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሕሉፍ የማናይ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ። ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ፡ እቶም ኣስታት 75% ከም ዝወደቑ ተሓቢሩ። ቢንያም ግርማይ ትማሊ 17 ሓምለ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ዙር ፈረንሳ ንዓለም ዘገረመ ጽንዓት ዝመለለይኡ ዓወት ኣመዝጊቡ።
    Show more Show less
    54 mins
  • ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭትን ተፈጥሯዊ ሓደጋታትን ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ይምለስ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
    Jul 18 2024
    ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭትን ተፈጥሯዊ ሓደጋታትን ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ይምለስ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኮለጅ ቍጠባን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ ንመበል 17 ግዜኡ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ብተዛማዲ ሓበሬታ ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ፡ እቶም ኣስታት 75% ከም ዝወደቑ ተሓቢሩ። ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ መብ 50 ዓመታ ብፌስቲቫል ጸንቢላ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዋግህምራ 5 ሰባት ብሕማም ተምላስን ውጽኣትን ምሟቶም ቤት ጽሕፈት ጥዕና'ቲ ዞባ ገሊጹ
    Show more Show less
    5 mins
  • “ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዕደና ፖሊሲአን ከመይ ኢሉ ንሃገር ዘመሓይሽ ኩነታት ፈጢሩ ይካየድ ክሓስባሉ ኣለወን” ዶክ. ፍጹም ሰመረ
    Jul 17 2024
    ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ምትእስሳራት ጽላት ዕደና ምስ ካልኦት ጽላታት ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን፣ ነዚ ኣብ ምዕዋቱ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ካልኦት ኣብ ኢንዱስትሪ ዝዋስኡ ዘለዎም ተራን፣ ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ዶክተር ፍጹም ናብ ብዙሓት ሃገራት ብምጋሽ ንዕደና ዝምልከቱ ፖሊሲታት ኣብ ምሕንጻጽ ሓጊዙ፣ መደባት ዕዮ ኣጣይሱን ኣገልግሎት ምኽሪ ሂቡን’ዩ። ኣብ’ዚ 2ይ ክፋል ዕላልና ካብ’ዚኦም ስራሓቱን መጽናዕትታቱን፣ ዝቐሰሞም ተሞክሮታትን ዝመሰጥዎ ፍሉያት ነገራትን ክዝርዝረልና’ዩ። ኩነታት ዕደናን ማዕድናትን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብሓፈሽኡ ክገልጸልና’ዩ። ሰናይ ምክትታል።
    Show more Show less
    31 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ (17 ሓምለ 2024 )
    Jul 17 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ቓዛ ብዝፈጸመውቶ ደብዳብ ነፈርቲ ፡ 57 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበ-ስልጣን ፍልስጤም ገሊጾም ። እቲ ብ 'ድምጺ ሙስሊም "ዝፍለጥ ዝምዕብል ዘሎ ጎስጓስ ብሰንኪ ውሽጣዊ ምክፍፋል ናይ ምድኻም ሓደጋ የንጸላልዎ። ኣብ ምርጫ ርዋንዳ፡ ፖል ካጋመ ን24 ዓመታት ዝጸንሐ ስልጣኑ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ዘቐጽሎ ዓብላሊ ድምጺ ይረክብ። ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ግርማይ ዉድድር ክዛዘም ሓደ ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ወዲቝ፡ ጃስፐር ቀዳማይ ወጺኡ።
    Show more Show less
    7 mins
  • Vaping: prevalence, risks, and helping your teenager quit - ምትካኽ ሃፋ (ቨይፒንግ) ኣብ መንእሰያት ግኑን'ዩ፣ መጉዳእቱ እንታይ'ዩ፧ ከተቋርጾ ይከኣል ድዩ፧
    Jul 16 2024
    Major regulatory changes in 2024 have brought about restricted access to vaping products in Australia. The crackdown on what is dubbed a “major public health issue” could lead to an increased number of teens seeking support to overcome the nicotine addiction, experts think. Learn about the health risks and ways to help young people in their quitting journey. - ኣብ ኣውስትራልያ ሃፋ ዝትከኸሎም ምህርትታት (Vaping products) ምርካብ በብግዚኡ እናጸንከረ ይኸይድ ኣሎ። ቨይፒንግ "ዓቢይ ጸገም ህዝባዊ ጥዕና" ተባሂሉ ተገሊጹ፡ ብዝሒ መንእሰያት ተጠቀምቱ ግን ልዑል ምዃኑ ብግቡእ ዝተሰነደ’ዩ። ምቁራጽ ቨይፒንግ ንመንእሰያት ከቢድን በዳሂን ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብ ንከተቋርጽዎ ኢልኩም ኣብ ትኸድዎ ጉዕዞ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ሓገዛት ክንፍትሽ ኢና።
    Show more Show less
    11 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ሓምለ 2024)
    Jul 16 2024
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሓምለ 2024) * ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወግዒ ሕጹይ ተወዳዳሪ ክኸውን ብሰልፊ ሪፓብሊካን ተመሪጹ፣ * ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንስራሓት ሰብኣዊ ሓገዛቱ ተወሰኽቲ ድሩዓት መካይንን ውልቃዊ መከለኻሊ መሳርሒታትን ናብ ቓዛ ከእቱ ከምዝጅምር ው.ሕ.ሃ ኣፍሊጡ፡ * ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር ፍልስጤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ የሩሳሌምን ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ'ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሓሙሽተ እስራኤላውያን ውልቀሰባትን ሰለስተ ባእታታን እገዳ ከምዝወሰነ ገሊጹ።
    Show more Show less
    5 mins