• SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

  • By: SBS
  • Podcast

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ  By  cover art

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

By: SBS
  • Summary

  • Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
    Copyright 2024, Special Broadcasting Services
    Show more Show less
activate_primeday_promo_in_buybox_DT
Episodes
  • "ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ኣለምዋጭ 'ዋላ ናብ ዓድና ምለሱና' ይብሉ ኣለዉ።" ሃብተኣብ እዮብ
    Jul 19 2024
    ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጸገማትን የሕልፉ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብዚ ቅሩብ እዋን መንነቶም ብዘይተፈልጠ ብዙሕ ቅትለት ይፍጸም ኣሎ። ብዛዕባ'ዞም ረዳኢ ስኢኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኩነታቶም ዝከታተል ዘሎ ሃብተኣብ የማነ ካብ "ሕያዋይ ሳምራዊ" ብፍላይ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጸመ ቅትለት ገሊጹልና ኣሎ።
    Show more Show less
    15 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሓምለ 2024)
    Jul 18 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ባንግኮክ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ሽዱሽተ ሰባት ብምኽንያት ሓደ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ብሳይነይድ ከም ዝመረዘ ተገሊጹ ። ሰበስልጣን ፈረንሳ ንሓደ ናይ ኦሎምፒክ ፋና ዒላማ ክገብር ደልዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሕሉፍ የማናይ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ። ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ፡ እቶም ኣስታት 75% ከም ዝወደቑ ተሓቢሩ። ቢንያም ግርማይ ትማሊ 17 ሓምለ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ዙር ፈረንሳ ንዓለም ዘገረመ ጽንዓት ዝመለለይኡ ዓወት ኣመዝጊቡ።
    Show more Show less
    15 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሓምለ 2024)
    Jul 18 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 18 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ምትእስሳራት ጽላት ዕደና ምስ ካልኦት ጽላታት ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን፣ ነዚ ኣብ ምዕዋቱ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ካልኦት ኣብ ኢንዱስትሪ ዝዋስኡ ዘለዎም ተራን፣ ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ዶክተር ፍጹም ናብ ብዙሓት ሃገራት ብምጋሽ ንዕደና ዝምልከቱ ፖሊሲታት ኣብ ምሕንጻጽ ሓጊዙ፣ መደባት ዕዮ ኣጣይሱን ኣገልግሎት ምኽሪ ሂቡን’ዩ። ኣብ’ዚ 2ይ ክፋል ዕላልና ካብ’ዚኦም ስራሓቱን መጽናዕትታቱን፣ ዝቐሰሞም ተሞክሮታትን ዝመሰጥዎ ፍሉያት ነገራትን ክዝርዝረልና’ዩ። ኩነታት ዕደናን ማዕድናትን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብሓፈሽኡ ምስ ኢብራሂም ዓሊ ዝገበሮ መቐጸልታ ዕላል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭትን ተፈጥሯዊ ሓደጋታትን ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ይምለስ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኮለጅ ቍጠባን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ ንመበል 17 ግዜኡ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ኣርእስታት ጸብጻብ ሉኡኽና እዩ፣ ምትካኽ ሃፋ (ቨይፒንግ) ኣብ መንእሰያት ግኑን'ዩ፣ መጉዳእቱ እንታይ'ዩ፧ ከተቋርጾ ይከኣል ድዩ፧ ኣርእስቲ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ባንግኮክ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ሽዱሽተ ሰባት ብምኽንያት ሓደ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ብሳይነይድ ከም ዝመረዘ ተገሊጹ ። ሰበስልጣን ፈረንሳ ንሓደ ናይ ኦሎምፒክ ፋና ዒላማ ክገብር ደልዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሕሉፍ የማናይ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ። ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ፡ እቶም ኣስታት 75% ከም ዝወደቑ ተሓቢሩ። ቢንያም ግርማይ ትማሊ 17 ሓምለ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ዙር ፈረንሳ ንዓለም ዘገረመ ጽንዓት ዝመለለይኡ ዓወት ኣመዝጊቡ።
    Show more Show less
    54 mins

What listeners say about SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Average customer ratings

Reviews - Please select the tabs below to change the source of reviews.